Carpal tunnel syndrome is a painful condition caused by compression of a key nerve in the wrist. |
ሕማም ነርቪ ካርፓል ታነል(ገለርያ ካርፓል) ብጣዕሚ መቐንዘዊ ሕማም ኮይኑ መንቀሊኡ ድማ ኣብ ክሳድ ኢድ ዝርከብ ቁልፊ ዝኾነ ነርቪ ክጽቀጥ ከሎ ዘጋጥም አዩ። |
It occurs when the median nerve, which runs from the forearm into the palm of the hand, becomes pressed or squeezed at the wrist. |
እዚ ሕማም ዘጋጥም ሚድያን ነርቭ ዝተበሃለ ካብ ላዕለዋይ ኢድ ናብ ከብዲ ኢድ ዝኸይድ ነርቪ ኣብ ክሳድ ኢድ ክጽቀጥ ወይ ክጽሞቕ ከሎ አዩ። |
Symptoms usually start gradually, with pain, weakness, or numbness in the hand and wrist, radiating up the arm. |
ምልክታት እቲ ሕማም ቀስ ብቐስ ዝጅምሩ እንትኾኑ ከም ቃንዛ፣ስንፈት ኢድ፣ምድንዛዝ ኢድን ክሳድ ኢድን፣ ከምኡ ድማ ናብ ቅልጽም ምስርጫው ዝበሉ ይርከብዎም። |
As symptoms worsen, people might feel tingling during the day, and decreased grip strength may make it difficult to form a fist, grasp small objects, or perform other manual tasks. |
ምልክታት እንትብእሱ፣ ሓደ ሓደ ሰባት ስምዒት ምጥዝጣዝ ኣብ አዋን ቀትሪ፣ስንፈት ኢድ ከምኡ ድማ ኢድካ ምጭባጥ ምእባይ፣ ኣናእሽተይ ኣቕሑ ምሓዝ ምእባይ ወይ ድማ ብኢድ ዝስርሑ ነገራት ንምስራሕ ምጽጋም ዝበሉ ምልክታት የጋጥሙ። |
In some cases no direct cause of the syndrome can be identified. |
ሓደ ሓደ ግዘ ናይቲ ሕማም መንቀሊ ንምፍላጥ ዘክከኣል ይኽእል። |
Most likely the disorder is due to a congenital predisposition - the carpal tunnel is simply smaller in some people than in others. |
መብዛሕቲኡ ግዘ መንቀሊኡ ተፈጥሮኣዊ ትጋላጽነት እዩ፥ገለርያ ካርፓል ካብ ናይ ካሊእ ሰብ ዝጸበበ ክኸውን አንተሎ። |
The risk of developing carpal tunnel syndrome is especially common in those who preform repetitive work tasks, such as assembly line work. |
ሕማም ነርቪ ካርፓል ታነል(ገለርያ ካርፓል) ብበዝሒ ዘጋጥም ከም ኣቕሓ ኣብ ምግጥጣም ዝበሉ ስርሖም ብባህሪኡ ተደጋጋሚ ናይ ኢድ ንክኢት ዘድልዮ ሰባት አዮም። |
Carpal tunnel syndrome is also associated with pregnancy and diseases such as diabetes, thyroid disease, or rheumatoid arthritis. |
ብተወሳኺ ሕማም ነርቪ ካርፓል ምስ ጥንሲ፣ሕማም ሽኮር፣ሕፈስ፣ ሕማም መጋጥምቲን ይተሓሓዝ። |
Initial treatment generally involves resting the affected hand and wrist for at least 2 weeks, avoiding activities that may worsen symptoms, and immobilizing the wrist in a splint to avoid further damage from twisting or bending. |
ናይ ፈለማ ሕክምና ነቲ ዝሓመመ ኢድን ክሳድ ኢድን ተውሓደ ንክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ምሃብ፣ምልክታት ዘጋድዱ ስራሕቲ ምንካይ፣ተወሳኺ ጉድኣት ንከየጋጥም ድማ ነቲ ዝሓመመ ኢድ ዘይምንቅስቓስን ከምዘይንቀሳቕስ ገይርካ ምእሳርን እዩ። |
Nonsteroidal anti-inflammatory drugs, such as aspirin, ibuprofen, other nonprescription pain relievers, and oral steroids (prednisone) may ease pain. |
ከም ኣስፕሪን፣ኣይቡፕሮፈንን ካልኦትን ዝበሉ ጸረ ቓንዛ መድሓኒታትን ከም ፕረድኒሶን ስተሮይዳትን ንቓንዛ ዕረፍቲ ወሃብቲ አዮም። |
Steroid injections can also be used to alleviate the swelling and pressure on the median nerve. |
ብመርፍእ ዝወሃብ ስተሮይድ ሕብጥትን ኣብ ነርቪ ሚድያን ዘሎ ጸቕጥን ክንኪ ይገብሩ። |
For more severe cases of carpal tunnel syndrome, open carpal tunnel release surgery or endoscopic carpal tunnel release may be recommended. |
ብጣዕሚ ዝበኣሰ ሕማም ነርቪ ካርፓል ታነል(ገለርያ ካርፓል) ኽፉት ወይ ናይ ኢንዶስኮፒ መጥባሕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል። |